Information på Tigrinja
Förskola
keyboard_arrow_downካብታ ደቅኻ ሓደ ዓመት ዚመልኡላ ክሳዕ ትምህርቲ ዚጅመር ቦታ መዋእለ-ህጻናት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
መዋእለ-ህጻናት ዘዛኒ፡ ዘተኣማምንን መሃርን ቦታ’ዩ። ኣብ መዋእለ-ህጻናት፡ ደቅኻ ከከም ስጕምቶምን ከከም ጠለባቶምን ይምዕብሉ። ኣብ መዋእለ-ህጻናት፡ ቋንቋ፡ ክእለት ሕሳብ፡ ክእለት ምንቅስቓስን ማሕበራዊ ብቕዓትን ንዕለም። ጸወታ፡ ሙዚቃን መሃዝነትን መሰረት ንጥፈትና’ዩ።
ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ኣብ ማእከል ሰተር፡ ኣብ ’ጉስታፍስን’ ኣብ ‘ስቱራ ሸድቪን’ ብጠቕላላ ዓሰርተ መዋእለ-ህጻናት ኣለዋ።
መዋእለ-ህጻናት፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 06:30 – 18:00 ክፉት’ዩ።
ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ብሕታዊ መዋእለ-ህጻናት የለን።
ቦታ መዋእለ-ህጻናት ንምርካብ፡ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ኣለካ። ደላይ ስራሕ ወይ ብስም ካልእ ውላድካ ዕረፍቲ ወላዲ ዝወሰድካ እንተ ኾይንካ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ ሰሙን ን15 ሰዓታት መሰል ቦታ መዋእለ-ህጻናት ኣሎዎ።
ኣብ መዋእለ-ህጻናት ቦታ ንምርካብ፡ ወይ ብኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst)ወይ ቅጥዒ ብምምላእ ጠለብ ከተእቱ ኣለካ። ጠለብ፡ እንተ ተኻእለ፡ ብኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst)ከተእቱ ንመርጽ።
ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት
ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት፡ ፍሉይ ዝዓይነቱ መዋእለ-ህጻናት ኣይኮነን። ”ህዝባዊ” ኪበሃል ከሎ፡ ክፉት ዕድል ምዃኑ የመልክት – ኵላቶም ቈልዑ ካብታ ሰለስተ ዓመት ዚመልኡላ ዓመት ዘላ መንፈቅ ቀውዒ ኣትሒዞም ቦታ መዋእለ-ህጻናት ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ። ኣብ ዓመት ከኣ 525 ሰዓታት ይጥርንፍ። ምደባ ግዜ ሓድሽ ዓመት ንጥፈት ኪቐርብ ከሎ ይውሰን። ሓደ ቈልዓ፡ 5 ሰዓታት ንመዓልቲ ማለት፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሓሙስ ካብ ሰዓት 09:00-14:00 ኣብ መዋእለ-ህጻናት ይውዕል።
ኣብ ስነ-ትምህርታዊ ክንክን (ፋሚልየዳግሄም)ዕድል ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት የለን።
ዓመተ-ንጥፈት ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት 2017-2018
(መንፈቕ ቀውዒ Ht 2017) | 2017-09-05 – 2017-12-20 |
(መንፈቕ ጽድያ Vt 2017) | 2018-01-09 – 2018-05-31 |
ዕረፍቲ/ዕረፍቲ ፋሲካ | 2018-04-03 – 2017-04-05 |
እተእትዎ ጠለብ ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት፡ ብቐጥታ ኣብ ኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst) ግበሮ (እቲ ጠለብ ንህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት ዚምልከት ከም ዝኾነ፡ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ናይ ጽሑፍ ሳጹን ሓብር።)
ጠለብ ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት – ቅጥዒ
ካልእ ስነ ትምህርታዊ ንጥፈት፡ ስነ ትምህርታዊ ክንክን
ኣብ ጉስታቭስን ኣብ ማእከል ሰተርን ዕድል ስነ-ትምህታዊ ክንክን ኣሎ፤ ብኮሙን ብዝተቘጽሩ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ ከኣ ይካየድ።
ኣብ ማእከል ሰተር ክልተ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓዲኦም ኮይኖም ብሓባር ይሰርሑ። ኣብ ጉስታቭስ፡ ሰለስተ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ ይተሓባበሩ፤ እቲ ንጥፈት ከኣ ንገለ መዓልታት ኣብ ሰሙን ኣብ መዋእለ-ህጻናት ኮቫልየንስ (Konvaljens förskola)ይካየድ።
ስነ-ትምህታዊ ክንክንን ካብ መዋእለ-ህጻናት ብምንታይ ይፍለ፧
ኣብ ስነ-ትምህታዊ ክንክንን ኣብ መዋእለ-ህጻናትን ዘሎ ፍልልይ፡ መዋእለ-ህጻናት ሓደ ኣገባብ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ብናቱ መርሃ-ትምህርቲ ዚምራሕ ስለ ዝኾነ’ዩ። ወኪል ትምህርቲ ሽወደን (ስኩልቨርከት)፡ ንጥፈት ብኸመይ ኪካየድ ከም ዘለዎ ንስነ-ትምህታዊ ክንክን ሓፈሻዊ መምርሒኡ ሂቡዎ’ዩ።
ሓደ ካልእ ፍልልይ እንተሎ፡ እቶም ኣብ መዋእለ-ህጻናት ዚምህሩ ፡ ምስክር ወረቐት ምምህርና ቅድመ-ትምህርቲ ዘሎዎም ኪኾኑ ጠለብ ኣሎ።
ብመቕርብካ ንዓመጽ ተቓሊዕካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
keyboard_arrow_downዓመጽ ኣብ መቕርባት ብዙሕ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ መጻምድትኻ ንዓመጽ የቃልዓካ፤ ስሕት ኢሉ ኸኣ ካልኦት ኣዝማድካ (መቕርብካ)። ቈልዑ’ውን ንወለዶም ንዓመጽ ኬቃልዕዎም ይኽእሉ’ዮም። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
- ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ/ኪ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
- ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
- ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ጠባይካ/ኪ ወይ ቅዲ ህይወትካ/ኪ ክትቅይር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ንርክብ ስጋ ይግድደካ/ኪ
- ንቝጠባኻ/ኺ ይቈጻጸር
ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ
ዝኾነ ሰብ ብመቕርቡ ዓመጽ ኪወርዶ ይኽእል’ዩ። ንዓመጽ ዝተቓላዕካ/ኪ: ሓበሬታ ክትረክብ/ኽቢ: ዕቝባን ደገፍን ክትረክብ/ኽቢ: ብኣኽብሮትን ብምድንጋጽን ክትተሓዝ ኣለካ። መሰልካ/ኪ እዩ። ደቂ እንተ ኣሎዉኻ/ኺ እውን ደገፍ ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ዕቝባን ግዜያዊ ገዛን
- ቍጠባዊ ሓገዝ
- ምስ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ርክብ ንምግባር (ንኣብነት ምስ ፖሊስ) ደገፍ ምሃብ።
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕግዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165
ዓመጽ መቕርባት ኣብ ምርኣይ ተመኵሮ ዘሎዎም ቈልዑ
keyboard_arrow_down- ንዓመጽ ምቅላዕ (መውቃዕቲ: ምድፋእ: ወሲባዊ ዓመጽ: ምሽጋር ከምኡ’ውን ብስምዒታዊ ንጽገት ምፍርራህ)
- ዓመጽ ምስማዕ ወይ ምርኣይ
- ምልክታት ዓመጽ ምርኣይ (ንኣብነት ስምብራት: ዝተቐደደ ክዳን: ዝተሰብረ ነገር: ፍርሃት)
- ሃዋህው ስድራ ምርዳእ
ዚበዝሑ ቈልዑ: ኣብ ስድራኦም እንታይ ከም ዘጋጥም ይፈልጡ’ዮም፤ ዋላ’ኳ ኣዝማድ እንተ ዘይመሰሎም። ሓደ መቕርቦም ጽቡቕ እንተ ዘየሎ: ቈልዑ ቀልጢፎም ቆብ የብልዎ፤ ኵሉሳዕ ግን ብዛዕባ ስምዒታቶም ኣይዛረቡን’ዮም። ሓደ ቈልዓ ጽቡቕ እንተ ዘየሎ ወይ ሻቕሎት እንተሎዎ: ኪጻወት ከሎ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ኣብ ጠባዩ ይፍለጥ።
ጥርዓን ሻቕሎት ምእታው
ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ኣሎ ኢልካ ትጥርጥር/ሪ’ዶ? ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኣእትው/ዊ። ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ኵነታት የጽንዖ፤ ዝርርባዊ ደገፍ ይህብ፤ ዘድልዩ ስጕምትታት ከኣ ይወስድ።
ሓደሓደ ሰብ ሙያ: ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኬእትዉ: ብሕጊ ግቡእ ኣሎዎም። ንኣብነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ኣብ ፖሊስ ዚሰርሑ እዚ ሕጊ ይምልከቶም።
ዓመጽ ንዝተመከሩ ቈልዑ ዚወሃብ ደገፍን ሓገዝን
ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ቈልዓን መቕርቡን ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ንጥፈታት ጕጅለ ንቘልዑ
- ጥቕሚ ቈልዑ ንምሕላው: ንግደ ወላዲ ምድጋፍ
- መራኸቢ ሰብ ወይ መራኸቢ ስድራ
- ኵነታት ጽንክር እንተ ኢሉ: ካልኦት ስጕምትታት ምውሳድ፤ ንኣብነት መዕቈቢ ገዛ
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165
ንመቕርብካ/ኪ ንዓመጽ ኣቃሊዕካዮም/ክዮም’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
keyboard_arrow_down- ሕርቃንካ/ኪ ክትቈጻጸር/ሪ ይብርትዓካ/ኪ’ዶ?
- ብቐሊሉ’ዶ ትቐንእ/ኢ ወይ ተቘጻጻሪ ትኸውን?
- ኣብ መቕርብካ/ኪ ዓመጽ ክትጥቀም/ሚ ድንዕ ኢልካ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
- ንዝቐርቡኻ/ኺ ሰባት ደፊእካ/ኪ: ሃሪምካ/ኪ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ጐዲእካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ?
- ደረት ከይትሓልፍ/ፊ ትፈርህ/ሂ’ዶ?
ክትረኽቦ/ብዮ ትኽእል/ሊ ሓገዝ ኣሎ። ደቂ እንተሎዉኻ/ውኺ: ከም መጠን ወላዲ/ት ደገፍ ክትረክብ/ኽቢ’ውን ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።
ሓገዝ ዚርከበሎም መዳያት:-
- ዝርርባዊ ደገፍ ምርካብ
- ጠንቅታትን ዓመጽን ኣብ ከባቢኻ ዘሎዎም ሳዕቤናትን ክትርዳእ ሓገዝ ምርካብ
- ንዓመጽ ካልእ ኣማራጺ ብምንዳይ: ሕርቃንካ ብኸመይ ከም ትኣሊ ፍልጠት ምርካብ
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165
ሃገራዊ ደገፍ
keyboard_arrow_downKvinnofridslinjen 020-50 50 50ሃገራዊ ደገፍ ብስልኪ ነቶም ምጕብዕባዕ ወይ ዓመጽ ዘጋጠሞም። ሽወደንኛ ዘይትኽእል እንተ ኾይንካ’ውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ።ብናጻ ኢኻ ትዛረብ፤ እቲ ዝርርብ ከኣ ኣብ መኽፈሊ ስልኪ ኣይወጽእን’ዩ። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።
BRIS 116 110
ደገፍ ብስልኪ ንንኡሳን ዕድመ። ኢመይል ምስዳድ ወይ ቻት ምግባር ይከኣል። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።
RFSL:s brottsofferjour 020-34 13 16
ደገፍ ብስልኪ ነቶም ንገበን ወይ ዓመጽ ዝተቓልዑ ሆሞሰክሽዋላት: ባይሰክሽዋላትን ትራንስ-ሰባት ወይ ኲር (queer)
Terrafem 020- 52 10 10
ደገፍ ብስልኪ ነቶም ንገበን ዝተቓልዑ። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደገፍ ምርካብ ይከኣል። ብናጻ ኢኻ ትዛረብ፤ እቲ ዝርርብ ከኣ ኣብ መኽፈሊ ስልኪ ኣይወጽእን’ዩ። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።
Brottsofferjouren 0200-21 20 19
ደገፍ ብስልኪ ነቶም ንገበን ዝተቓልዑ። ሽወደንኛ ዘይትኽእል እንተ ኾይንካ’ውን ክትድውል ትኽእል።
ብመቕርቡ ንዓመጽ ዚቃላዕ መንእሰይ
keyboard_arrow_downኣብ መቕርባት ዚኽሰት ዓመጽ: ዝተፈላለየ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ ወላዲ’ዩ ንደቁ ንዓመጽ ዘቃልዖም። ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ሓው ወይ ሓውቲ። ንዓመጽ ዜቃልዑ ኣዝማድ ኪኾኑ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ምናልባት ምሳኻ/ኺ ብሓባር ዚቕመጥ ሰብ ኪኸውን ይኽእል። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
- ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
- ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
- ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ከውጽኣካ/ኪ ወይ ካብ ገዛ ኪሰጐካ/ኪ የፈረርሓካ/ኪ ወይ ኣብ ገዛ ይዓጽወካ/ኪ
- ንሓደ ዓይነት ወሲባዊ ርክብ ይግድደካ/ኪ
- ንኽብሪ ስድራ ንምክልኻል: ሓደሓደ መምርሕታት ክትስዕብ/ቢ ይግድደካ/ኪ
- ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ስድራ ዓመጽ ይጥቀም
ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ
ንዓመጽ እንተ ተቓሊዕካ ክትሻቐልን ክትጕህን ንቡር’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሰሚዑ: ኪሕግዘካ ምስ ዚኽእል ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ’ዩ። ትሕቲ 18 ዝዕድመኡ መንእሰይ ንዓመጽ ኪቃላዕ ከሎ ኵሉሳዕ እቲ ሓላፍነት ናይ ኣባጽሕ’ዩ። ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ሓገዝ: ደገፍ: ዕቝባን ካልእ ጠቓሚ ነገር ምርካብ ይከኣል’ዩ።
እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ዕቝባን ግዚያዊ ገዛን
- ግጭታት ንምእላይ ሓገዝ ንምርካብ ዝርርባዊ ደገፍ ምስ ስድራኻ/ኺ
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፤ መን ምዃንካ/ኪ: ኣበይ ከም ትቕመጥ/ጢ ምሕባር ኣየድልየካን’ዩ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165
ቤት ትምህርቲ መባእታ
keyboard_arrow_downኣብ ሽወደን ኵላቶም ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ግቡእ ትምህርቲ ኣሎዎም። ትምህርቲ ናጻን ግዴታውን’ዩ። ኣብ ሰተር፡ ኵላቶም ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዑ፡ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኦም ብቐጥታ ቦታ መዋእለ-ህጻናት ይረኽቡ።ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ኣለዋ።
እቲ ልሙድ ነገር፡ ቈልዑ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኦም ዚርከብ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ከም ዚመሃሩ ምግባር’ዩ። ተመሃሮን ወለዶምን ካልእ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ኪመርጹውን ይኽእሉ’ዮም፤ ማለት፡ ኣብ ካልእ ኮሙን ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ወይከኣ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ።
ኣብ ሰተር፡ ብሕታውያን ኣብያተ ትምህርቲ የለዋን፤ ኣብ ጥቓና ዚርከባ ኮሙናት ከም ሄደሙራ፡ ቦርሌንገን ፋሉንን ግን ኣለዋ።
ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ
keyboard_arrow_downኣብ ሴተር ኮሙን፡ ሃገርለኻውያን ፕሮግራማት የለዋን፤ ተመሃሮ ሃገራዊ ፕሮግራም ትምህርቲ ኪመሃሩ ዕድል ንምሃብ ግን፡ እዚ ኮሙን ምስ ጐረባብቲ ኮሙናት ይተሓባበር’ዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ንምእታው ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻዚelevantagningen vid Region Dalarnaይሕተት።ሰተር ኮሙን፡ ካብተን ሓሙሽተ መተኣታተዊ ፕሮግራማት (introduktionsprogrammen) ነርባዕተ ዕድል ይህብ፤ እዚኣተን ከኣ፡ ኣብ ዩስተርንስ ስትራንድ ዚርከብ ዳላንደር ኩንስካፕስሴንትሩም (Dahlander kunskapscentrum) ይወሃባ። ንሳተን ከኣ፡-
- ውልቃዊ ኣማራጺ (Individuellt alternativ (IMIND))
- መተኣታተዊ ትምህርቲ ቋንቋ (Språkintroduktion (IMSPR))
- መቀራረቢ ትምህርቲ (Preparandutbildning (IMPRE))
- መተኣታተዊ ትምህርቲ ሙያ (Yrkesintroduktion (IMYRK))
ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልእ ኮሙን
እትቕመጠሉ ናይ ምትሕብባር ከባቢ ብዘየገድስ – እቲ ክትመሃሮ እትደሊ ፕሮግራም ክትመሃር ዕድል ክትረክብ ምእንቲ፡ ዓሰርተ ኮሙናት ዳላ ይተሓባበራ። ብሓገዝ ’ዪሳም’ Gysam ኣብቲ ናይ ምትሕብባር ከባቢ ዚርከብ እኩብ ዕድል ሃገራውያን ፕሮግራማት ንዓኻ ክፉት ይኸውን።
ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ካልእ ኮሙን ወይ ኣብ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ክትሓትት ትኽእል። እቲ እትጠልቦ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ዪሳም (Gysamområdet) ዚርከብ እንተኾይኑ ግን፡ እቲ መወሰኽታ መናበሪ (inackorderingstillägg) ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጽሎ ይትኽእል’ዩ።